Berlin Manifesto Tigrinya translation

በርሊን፡ 3 ጥቅምቲ 2000

ክቡር ኢሳያስ ኣፍወርቂ

ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ

ኣስመራ፡ ኤርትራ

 

ክቡር ፕረሲደንት፡

ንሕና፡ ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ኣስፊርና ዘለና ውልቀ-ሰባት በዚ ሃገርና ኣትያቶ ዘላ መጻብቦ ብምግዳስ፡ ነታት ሃገርና ንምግምጋምን ብቑዕ መፍትሐ ንምእማምን ተኣኪብና ንምምይያጥ ተሰማማዕናኰይኑ ድማ፡ እንሆ ሃገርና ናጽነታ ንኽትረክብ ዝተጻወትካዮ ተራን፡ ንመጻኢ ጊዜውን ከም መራሕ ሃገር ዝጽበየካ ዕማማት ብምግንዛብ፡ እዛ መልእኽቲ’ዚኣ ግምት ሂብካ ስጉምቲ ንኽትወስደላ ንልእከልካ

ርግጽዩ፡ ብጊዜ ሓርነታዊ ቃልሲ መቓልስትኻ ከም መራሒኦም መጠን ኣብ ልዕሌኻ እምነት ኣሕዲሮም ከም ዝነበሩ ኣይጠፍኣናን እወ፡ እቲ እምነትቲ ኸኣ’ዩ መዚ ቤት-ጽሕፈት ፕረሲደንት ዘትሓዘካ ኢልና ንኣምን ኣብ’ዚ ዘየላቡ ታሪኻ ጊዜ ሃገርና፡ እቲ ቤት-ጽሕፈትካ ዝጠልቦ እምነትን ሓላፍነትን ኣገዳስነቱ ብዝያዳ ዓዚዙ ስለ ዝረኣየና፡ ከምኡ’ውን ከም ግዱሳት ዜጋታት መጠን እቲ ሸኽሚ-ሓላፍነትካ ስለ ዝጸልወና፡ እንሆ ንዕኡ መሰረት ብምግባር ስክፍታና ንምግላጽ ሓሳብናን ርእይቶናን ብከም’ዚ ዚስዕብ ነቕርበልካ

ብመጀመርያ በቲ መንግስትና ዘካይዶ ዘሎ ስርሓት ሃገራዊ ምክልኻል ደገፍና ንገልጽ ኣስዒብና ኸኣ፡ ሓይልታት ምክልኻልን ብምልኡ ህዝቢ ኤርትራን ውዲት ኢትዮጵያ ንምኽሻፍ ብዝተጻወትዎ  ተራ ዕዙዝ ኣድናትና ንገልጽ እንተዀነ ግን፡ እቲ ጸላኢ ኣውሪዱልና ዘሎ ሓደጋ ካብቲ ፖለቲካውን ቁጠባውን ብድሆታትና ፈሊና ክንርእዮ ስለ ዘይግባእ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ብምትኳር እቲ ዓቢ ትጽቢት ተነቢሩዎ  ዝነበረ ሰላማዊ ዳግመ-ህንጸት ሃገርና ተወንዚፉ ይጽናሕ፡ ሕጂ እንድሕሪ ብሓባር ተቓሊስና፡ ጌጋታትና’ውን ኣሪምና፡ ነዚ ዘሎ ሽግር ጥራሕ ዘይኰንስ ናይ መጻኢ ጊዜ ብድሆ’ውን ክንገጥሞ ንኽእል ኢና ኢልና ንኣምን።

1.          ብኽንደይ ጻዕሪ ዝመጸት ናጽነት ኣሰር ጠፊኣ ነይራ

 

ክቡር ፕረሲደንት፡

ተመኵሮ ናይ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ኣሰቀቕትን መሃርትን ኰይነን ንረኽበን።  ሃገርና ኸኣ ብወራር ኢትዮጵያ ዓንያን ተደፊራን’ያ። ብሓቂ ድማ ብሰበብ’ዚ ሃዲሞም፡ ገሊኦም ድማ ናብ ግዳም ተሰዲዶም ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ፡ ኢትዮጵያ ሰንጢቓ ኣብ መሬትና ብምእታዋ፡ ሰራዊትና ንኸንሳሕብ ብምግዳዱ ብሓቂ ኣተሓሳሲቡና። ክንደይ ህይወት ከሲርና ዘምጻእናዮ ናጽነትናን ልዑላውነትናን ኣብ ሓደጋ ከም ዝኣቱ ተገይሩ። ጅግንነት ሰራዊትና ከምኡ’ውን እቲ ዘየማትእ ደገፍ ህዝብና ንተንኰል ጸላኢ ብዕቱብ እንተ ዘይምክትዎ  ነይሮምስ ምጠፋእና ኔርና ኢልና ንኣምን።

ከመይ ኢልና ኣብ’ዚ በጻሕና? እንታይ’ዩ’ኸ ጠንቂ’ዚ ውግእ’ዚ?  ጸላኢ ዕርድታትና ሰንጢቑ ብጽበት መሬትና ኪቈጻጸር ከመይ’ሉ ኸኣለ? ክሳራታት’ዚ ውግእ’ዚ ኣብ ልዕሊ ህይወት፡ ጥሪት፡ ከምኡ’ውን መነባብሮ-ህዝብ ተወሲኑ ጥራሕ ከይተረፈስ ብተወሳኺ ካልእ ሕቶታት ከላዕል ኪኢሉሎ። ኰይኑ ድማ ውሽጣውን ግዳማውን ኣተኣላልያ ሃገርና ብዝምልከት፡ ከምኡ’ውን ድሕሪ ናጽነት ዘማዕበልናዮ ባህርይ ኰነ ኣካይዳ መሪሕነትና ብቐረባ ክንምርምሮ ናይ ግድን’ዩ።

ክቡር ፕረሲደንት፡

ከመይ ኢልና ኣብ’ዚ መዋጥሮ ኣተና? ኣበይ’ከ ኢና ተጋጊና? እንታይኸ እቲ ጠንቅን ባህርይን ናይ’ዚ ውግእ’ዚ? ክንውግዶኸ ኣይምተኻእለንዶ ነይሩ?’’ ኢልና ክንሓትትን ሕልናና ክንውከስን ቅኑዕ ጥራሕ ዘይኰነስ ከም ዜጋታት መጠን ግቡእናዩ። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን መንግስትና ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ መራሕትና ብዓሚቝ ዘትዮም ነዞም ሕቶታት መልስታት ረኺቦምሎም ክዀኑ ተስፋ ንገብር። ንሕና ብወገንና፡ ከም ንኡስ ውጽኢት ዘበርከትና ግዱሳት ዜጋታት መጠን፡ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ሽግር መፍትሐ ክኸውን ይኽእል’ዩ ንብሎ ሓሳብ ከነቕርብ ንደሊ። ነዚ ዝተበገስናሉ ጽቡቕ መንፈስ ርኢኻ፡ ዕዙዝ ሃገራዊ ግቡእና ምዃኑ ተገንዚብካ፡ በቲ ኣብ ሓቒ ተመርኲሱ ፍቕሪ-ሃገር ረዓመ፡ ዘረባ ሰብ ኣብ ግምት ዘእቱ ልምድና መሰረት ብምግባር ነዚ ነቕርቦ ዘሎና ርእይቶ ሚዛን ክትወስደሉ ነማሕጽነካ።

 

ተኣኻኺብና ንኽንዛረብ ዝደረኹና ጒዳያት መቸም ሒደት ኣይኰኑን። ኣውራ ናይ መራኸቢና ምኽንያት’ኳ ብሰንኪ’ዚ ውግእ ንህዝብና ኣጋጢሙዎ  ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምጽናዕ’ዩ።  ብጀካኡ ድማ እዚ ውግእ ዘጋለጾም ሓቅታት፡ ሸለል ኢልና ክንሓልፎም ዘይንኽእል ካልኦት ሽግራት ከም ዘዉ’ውን ኣይንስሕቶን ኢና። እዚኦም ከኣ ፖለቲካውን፡ ማሕበራውን፡ ቊጠባውን ከምኡ’ውን ኣብ ዉሽጢ መራሕትና ተረኺቡ ዘሎ ቅልውላዋትን’ዮም።

2.          ሰብኣዊ ቅልውላውን ግዳማዊ-ስእሊ ኤርትራን

ሰብኣዊ ኵነታት ሃገርና ንዝምልከት ሕቶ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣደዳ ውግእ ኰይኖም ዘሎዉ ዜጋታትና ዓቢ ስግኣት ከም ዘሕደርና ክንጠቕሶ ንደሊ። ብሃለዋት ናይ’ቶም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ፡ ውግእ ዘሰናኸሎም ደቂ ሃገርና፡ በቶም ቊጽሮም ልዕሊ 75,000 ዝዀነ ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጒ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ከርተት ዝብሉ ዘሎው፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቤት ማእሰርትን መዳጐኒ ቦታታትን ዝርከቡ ዜጋታትና ብዝምልከቱ ጒዳያት ሻቕሎትና ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ ንገልጽ።

ንጥርዝያ ኢትዮጵያውያን ብዝምልከት ጒዳይ ድማ መንግስትና ወሲዱዎ ዘሎ ስጒምቲ ዝንኣድ’ኳ ይዅን ንመጻኢ ጊዜ፡ ኣድላን ሕጋውን እንተ ድኣ ኰይኑ፡ በዚ ዝጸንሐ ኣገባብ ንኽቅጽልን ብዓለም-ለኻዊ ሕጊ ክሰላሰልን ተስፋ ንገብር።

ሃገራዊ ባይቶና ኣብ ልዕሊ እቶም ኢትዮጵያ ዝፈጸመቶም ገበናት ዝወሰዶ ናይ ምዅናን ውሳኔ ብምድግፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታትና ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ፡ ጸይቂ ዀነ ስርቂ ኣጥቢቕና ንዅንኖ። ንከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ጒዳያት ከኣ ብስነ-ኣእሙራውን ፊናንስያውን ዓቕምታትና ምሉእ ጐስጓስ ንኸነካይደሎም ድልዋት ምዃንና ንገልጽ። ብተወሳኺ፡ መንግስትና ብዓቕሙ ነዞም ተጓሳቚሎም ዘሎው ዜጋታትና እዋናዊ ሓገዝ ከም ዝገብረሎም ብምትእምማን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንዅሉ ኤርትራዊ ኢደይ-ኢድካ ኢሉ ወፈያኡ ንኸበርክት ጻውዒትና ነቕርብ።

 

ናብ ካልእ ኣገዳሲ ዛዕባ ብምስጋር፡ ብትዕዝብትና መሰረት ኤርትራ ከም ሎም-እዋን ገይሩ ስማ ከፊኡ ከም ዘይፈልጥ ከነረጋግጸልካ ንፈቱ። እወ፡ ክብራ ባይታ ጥዒሙ ይርከብ። ዋላ’ኳ መርገጺና ቅኑዕ ይዅን’ምበር፡ ሕብረተ-ሰብ ዓለም፡ ከምኡ’ውን ኣፍሪቃውያን አሕዋትና፡ ኣብ ልዕሊ መንግስትና ዀነ መሪሕነትና ዘዎም ስእሊ ኣይግድን’ዩ ከም ዓመጽትን ከምኡ’ውን ሓላፍነትና ዘይንፈልጥ ገይሮም’ዮም ዝርእዩና። ንመሪሕነትና’ውን እንተዀነ፡ ብሕልፊ’ኳ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ዓለም-ለኻዊ ሕግን ቅቡል ኣደብን ዚነጽግ ገይሮም’ዮም ዝርእይዎ።  ስምና በዝን ክንድዝን ኪካፋእ ከሎ መንግስትና’ውን ብግዲኡ ንተሓባበርትና ጥራሕ ዘይኰኑስ እቶም ኣብ ጊዜ ቃልሲ ኣብ ጐንና ዝነበሩ ኣዕሩኽቲ ሃገርና ከይተረፉ’ውን ካብ ምቕያም ዓዲ ኣይወዓለን።

እቲ ብዙሓት ዝንእድዎ ዝነብሩ ናይ ርእሰ-ምርኰሳ ፖሊሲና’ውን እንተዀነ ከም ኣብነት-ትዕቢት ገይሮም’ዮም ዝርእይዎ ።  ንሕና ከም ዝመስለና፡ ባዕሉ እቲ ፖሊሲ ዘይኰንስ ኣጠቃቕምኡ’ዩ እቲ ጸገም ንብል።  ክማሓየሸሉ ዝኽእል ሸነኻቱ ብዙሕ’ዩ፡ ከም’ቲ ዝጠቐስናዮ ድማ፡ ኣጠቃቕምኡን ከምኡ’ውን ከመይ ገይሩ ምስ ወከልቲ ናይ ደገ ማሕበራት ተዋሃሂዱ ከም ዝሰርሕ ምግባሩ’ዩ ዘድሊ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ነቐፌታዊ ሚዛን ናይ ፖሊሲታትናን ኣተጋግብሮኦምን ብዝያዳ ንኸነጽንዖም ናይ ግድን’ዩ ንብል።

3. ውግእ ዘቃልዖም ኣስጋእቲ ጒዳያት

ምስ ኢትዮጵያ ውግእ ካብ ዝ ጀመረሉ ጊዜ ኣትሒዙ በብግዜኡ ክገሃዱ ዝጸንሑ ፍጻሜታት ብተገዳስነትን ከምኡ’ውን ብሻቕሎትን ክንከታተሎም ጸኒሕና ኢና። እዚ ዘሕዝን ውጽኢት ናይ’ዚ ውግእ’ዚ፡ ድሕሪ ናጽነት ዝተገብሩ ምዕባሌታት ኰኑ ኣካይዳ ስራሕ መንግስትና ብነቐፌታዊ ኣመላኽታ ንኽንግምግሞም ክደፋፍኣና ክኢሉ’ሎ።  ርግጽ’ዩ፡ ከም ስራሓት ጽርግያ፡ ምዕባሌ ትምህርቲ ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘኣመሰሉ ርኡያት ፍረ-ዕዮታት’ኳ እንተ’ሎዉ ብዙሓት ኣይግድን እንብሎም፡ ንመጻኢ ኵነታት ሃገርና ኣብ ጸገም ከእትዉ ዝኽእሉ፡ ዘሰክፉናን ዘፍርሑናን ምዕባሌታት ንዕዘብ ኣሎና።

ሱቕ ዘየብሉ ጒድለታት እናረአና ሱቕ ምባል መረጽና ሱቕ መበሊና ምኽንያት ድማ ዘይምግዳስ ዘይኰነስ ከም’ቲ ገኒኑ ዝርከብ ተርእዮ ናይ ርእሰ-እገታ ጒዳይ’ዩ።  መንቀሊ ናይ’ዚ ርእሰ-እገታ’ዚ ድማ ጸላኢ ነቲ ነቕርቦ ነቐፌታና ኣዘምቢዑ ምእንቲ ንኸይጥቀመሉ ካብ ዝተበገሰ እምነት ጥራሕ’ዩ። ሕጂ ግን እቲ ዝበሃል ንኽንብል ጊዜኡ ዝኣኸለ ኰይኑ ስለ ዝስምዓና ብዘይ ስክፍታ ሓሳብና ክንገልጽ ንመርጽ።  ሕጂ ሱቕ እንተ ድኣ ኢልና ግን ሓላፍነትና ከም ዝዘንጋዕና’ዩ ዝቝጸር። ስለዚ፡ መንግስትና ኣብ ምህናጽ ስርሓት ዲሞክራስያዊ ትካላት፡ ከምኡ’ውን ብዘሕትቱን ብግሁድ ዘስርሑ ኣገባባት ስለ ዘይደፍኣሎም ክንዛረበሎም ንግደድ።  ክቡር ፕረሲደንት፡ ፖሊሲታትና ይዅኑ መምሪሕታትና ዳግመ-ግምት ንክወሃቦም ኣዝዩ ኣገዳሲ ጒዳይ ስለ ዝዀነ ብዘይ ገለ ምስምስ ንኽትገጥሞም ነማሕጽነካ።

4. ሓድሕዳዊ-ዕርቅን ሃገራዊ ሓድነትን 

መብዝሕትኡ ህዝብና ንጒዳይ ሓድሕዳዊ-ዕርቂ ከም ዝሰማማዓሉ ንኣምን ኢና። ወተሃደራዊ ዓወታትናን ልዑላውነትናን ብምዕቡል ዝዀነ መንፈስ ብናይ ሓድሕድና ዕርቂ ክስነ ምተገብኦ ነይሩ - እወ፡ ምስ ኢትዮጵያ’ኳ ድሕሪ’ዚ ዅሉ ኲናት ወረጃዊ ዝዀነ ዕርቂ-ሓድሕድ ዝተበጽሐ። ሓደ ካብ’ቶም ልቦናን ውሕሉል ምምሕዳርን ዝጠልብዎም ጻውዒታት ጻውዒተ-ሓድሕዳዊ-ዕርቂ ስለ ዝዀነ፡ ግላዊ ፖለቲካዊ እምነትን ዝምድናታትን ናይ ዜጋታትና ብዘየገድስ፡ ንዅሉ ጻውዒት ተገይሩ ብሓባር እዚ ዓንዩ ዘሎ ቊጠባናን ሕብረተሰብናን ክህነጽ’ዩ ዝግብ ነይሩ። ዝዀነ ዀይኑ እዚ ዕድል’ዚ ቅድሚ ሕጂ ኣምሊጡና’ዩ፡ ሕጂ ኸኣ ዳግማይ ንከየምልጠና ክንሓስበሉ ይግባእ። መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ (ህ.ግ.ደ.ፍ)፡ ንውልቀ ሰባት ይዅን ንጒጅለታት ሓደ ናይ ፖለቲካዊ ሃዋህው ክኸፍት ይግብኦ። እዚ ሃዋህው’ዚ ብዘይምህላዉ ግን ንምዕባሌ ሲቪላዊ ህይወት ሕብረተሰብና ኣዝዩ ስለ ዝሃሰዮ ኣብ ልዕሊ ሓድ-ሓደ ሸነኻት ሕብረተሰብና ናይ ተነጽሎ ስምዒታት ከሕድር ክኢሉ’ሎ። እንተ ቅዋምና’ኳ፡ ኣስዒብና ድኣ ክንገልጾ ኢና’ምበር፡ ንዅሉ ዝሓቝፍ ሃዋህው ንኪፍጠር’ዩ ዘተባብዕ ነይሩ።

5. ጥርኑፍ መሪሕነትን ህዝባዊ ተኻፋልነትን

ክቡር ፕረሲደንት፡

ኣብ ጊዜ ቃልሲ ዝተቐስሙ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ተመኵሮታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓደ ካብ’ቶም መንግስትና ዝገበሮም ዓበይቲ ጌጋታት ነቲ ሽዑ ብጥርኑፍ መልክዕ ዝሰርሕ ዝነበረ መሪሕነታዊ ኣካል ብምሕቃቑ’ዩ። ከም’ቲ ዓይነት ኣሰራርሓ’ቲ ኣብ መንጎ መራሕትን ተራ-ተጋደልትን እምነትን ተኣማምነትን ኣሕዲሩ ከም ዝነበረ ንዓኻ ምጥቃሱ ዘድሊ ኰይኑ ኣይስምዓናን። ጀጋኑ ተጋደልትና፡ በቲ ጽንዑን ዘይግታእን ባህርያቶም፡ ነቲ እዚ ዘይበሃል ሓይሊ’ኳ ክምክቱ ይኽኣሉ’ምበር፡ ብዘይ’ቲ እምነትን ተኣማምነትን ዘሕደረ ጥርኑፍ መሪሕነትና ቃልስና ኣብ ዓወት ከብጽሕዎ ኣይምኸኣሉን ነይሮም። 

ድሕሪ ናጽነት ሃገርና፡ እዚ ዝጠቐስናዮ ባህርይ’ዚ ተበቲኑ ብመሪሕነት ሓደ-ሰብኣይ ከኣ ተተክአ። ኣብ ጊዜ ቃልሲ ዝነበሩ ኣባላት መሪሕነት፡ ክርድኣና ብዘይክእል ኣገባብ ካብ ስራሕ ክእለዩ ምግባር፡ ከምኡ’ውን ኣብ’ዚ ጽንኩር ጊዜ’ዚ ኣብ ሓድሓደ ንሃገርና ብዝምልከቱ ጒዳያት ዓቕሞም ከም ግቡእ ክንጥቀመሉ ብዘይምኽኣልና ብዙሕ የሻቕለና። እዚ ዘይነሓፍ ጌጋ’ዩ እቲ ምኽንያት ናይ’ዚ ኣሉታዊ ምዕባሌ’ዚ ኸኣ ብዝዀነ ይዅን ኣገባብ ክእረም ኣሎዎ  ንብል። ሓደ መራሒ፡ ሽሕ ጊዜ ክኢላ ይዅን’ምበር፡ ኣብ ጒዳይ ሃገር ነቲ ካብ ሓደ እኩብ ጒጅለ ዝምንጭው ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ክትክኦ ኣይኽእልን’ዩ። ኣብ ሃገርና፡ ውልቀ-መሪሕነት ካብ ዝነግሰሉ ጊዜ ኣትሒዙ ሓሳባት ንኸይዕንብቡ ብምሕናቕ፡ ተሳታፍነት ህዝቢ ንክእገት፡ ከምኡ’ውን ዲሞክራስያውያን ትካላት ንኸይምዕብሉ ዓጊቱዎም ይርከብ። ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ከም’ዛ ናትና፡ ውሱንን ዘይምዕቡልን ጸጋታት ዘሎዋ፡ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ፡ ጸጥታውን፡ ማሕበራዊ ብድሆታት እትሽገር ሃገር፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሓደ ሰብ ጥራሕ ኣትያ ክትሰርር ኣይትኽእልን።

እወ፡ እዚ ነቕርቦ ዘሎና ወቐሳ’ዚ ንበይንኻ ጥራሕ ዘይኰነስ ነቶም ካልኦት ኣባላት መሪሕነት’ውን ይምልከቶም’ዩ እዚ ኸኣ ኣሉታዊ ኣገባብ ስርሓት እናረኣዩ ብዕቱብ ተቓውምኦም ብዘይምግላጾም’ዩ። ርግጽ’ዩ፡ ብጾትካ ፍዅስ ዝበሉ ተቓውሞታት ኣስሚዕም ይዀኑ’ዮም፡ ንሕና ግን ዝሰማዕናዮ ተቓውምኦም የለን። ስለዚ፡ ንሳቶም’ውን እንተዀኑ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ ክጥቕለል እንዳረኣዩ ሱቕ ብምባሎም ንሃገርና ሃስዮማ’ዮም። ምንጪ ጒድለተ-ተቓውሞ ምስ ጒድለታት ናይ ሓሳብ ምግላጽ ናጽነት ዝተኣሳሰረ’ዩ ኰይኑ ድማ፡  ዜጋታትና ጉቡኦም ንኸይፍጽሙ ዓጊቱዎም ስለ ዝርከብ፡ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ኢድ ፕረሲደንት ክጥቕለል እንዳረኣዩ ዓገብ ኣብ ክንዲ ምባል ዓዲ ኣውዒሉዎም ይርከብ።  ብዘይ ምግናን፡ ዋላ’ኳ ሓድሓደ ምዕባሌታት ይሃልዉ’ምበር መንግስትና ብኸምዚኦም ዘኣመሰሉ ኣገደስቲ ጒድለታት ንሃገርና ሃስዩዋ’ዩ።

6. ኣብ መሪሕነት ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው

ክቡር ፕረሲደንት

ኣብ መንጎ ኣባላት መሪሕነት ግርጭትን ፍልልይን ወሪዱ ከም ዘሎ ኣይጠፍኣናን። እዚ ጒድለተ-ስኒት’ዚ ኣሻቒሉና ከም ዘሎን ጒዳዩ ኸኣ ናበይ የምርሕ ከም ዘሎን ኣዝዩ ብሩህ’ዩ።  እዚ ኵነታት ጽንኩርን ሓደገኛን ስለ ዝዀነ ተፋጢጥካ ዝፍታሕ ኣይመስለናን። ስለዚ፡ ንስኻን ብጾትካን ብሜላ ክትኣልይዎ፡ ከምኡ’ውን ብድሕሪ ሕጂ ዝለዓሉ ዘይምቅዳዋት ቅዋምና ብዝጠልቦም ኣገባባት ክፍትሑ ንላቦ። ንሕና ከም ዝመስለና፡ እዚ ናይ ሕጂ ዘይምስምማዕ ብህጹጽ እንተ ድኣ ዘይተፈቲሑ ናብ ካልእ ክበጽሕ ምዃኑን ንሃገርና ኸኣ ኣብ ዝያዳ ሓደጋ ከም ዘውድቓ ንገንዘቦ።  ሳዕቤን ናይ’ዚ ቅልውላው’ዚ እንተ ድኣ ብጥበብ ዘይተኣልዩ ምድኻማት ከም ዘስዕብ ንፍለጦ፡ ኣናኢስና ኸኣ ኣይንርኣዮጸላኢ ነዚ ውሽጣዊ ምስሕሓብ’ዚ ክምዝምዞ ምዃኑ ርዱእ ይዅን። 

7. ተራ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ፖለቲካናን ቊጠባናን

ክቡር ፕረሲደንት

ተዋራረስቲ ህላዌ ትካላት መንግስትን ህ...ፍን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኰይኑ ንረኽቦ። እዚ ኸኣ ፍልልዮም ብንጹር ስለ ዘይርአየና’ዩ። ስራሓት ክደጋገሙ፡ ኣብ’ቲ ስራሓት ዝተዋፈሩ ሰባት’ውን ኣብዝን ኣብትን ተወዚዖም ክንርኢ ብሓቂ ዘደንጹ’ዩ። ከም’ዚ ዓይነት ኣሰራርሓ’ዚ ሕልኽልኻት ፈጢሩ ሃብቲ-ሃገር ስለ ዘባኽን ሃገርና እዚ ጥፍኣት’ዚ ክትስከሞ ኣይትኽእልን’ያ።

ተልእኾን ስራሕን ህ.ግ.ደ.ፍ’ሲ ተነጺሩ እንተ ዝግለጽ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ። ስራሓታ’ውን ኣብ ስራሓት ሰልፊ ተወሲኑ፡ ካብ ካልእ መንግስታዊ ስርሓት ኸኣ እንተ ዝንጸል’ዶ ኣይምሓሸን? ቊጠባዊ ስርሓት ህግደፍ’ውን ሻቕሎት ፈጢሩ ንጽቡቕ ድልየትን እምንቶን ዜጋታትና ብዘይግቡእ ክጸምዶ ኣይምተገብአን። ርግጽ’ዩ፡ ቊጠባዊ ስርሓት ህ...ፍ/መንግስቲ ብዙሕ ጸገማት ፈቲሐ’ዩ ምጡን ዋጋ ኣቝት ኣብ ህዝቢ ከም ዘውረደ ዘይከሓድ’ዩ። እንተዀነ ግን፡ ንድሓር መገዱ ከም ዘየጸበቐ ብሩህ’ዩ። ንዓና ዝመስለና፡ ቊጠባዊ ስርሓት ህ...ፍ/መንግስቲ ኣንጻር ቊጠባዊ ፖሊሲና’ዩ ዓሊሙ ዘሎ እወ፡ ከም ግቡኡ ዳይናሚካዊ፡ ብብሕታዊ ተበግሶ ተደፊኡ ዝሰርሕ፡ ኣብ ዕዳጋ ዝምርኰስ፡ ንብሕታዊ ክፋል ሕብረተ-ሰብና ዘተባብዕ ቊጠባዊ ስልቲ ክጥቀም ምተገብኦ ነይሩ። ከም ሓቁ’ኳ ትካላት ህግደፍ ብተሓታትነት ኰነ ብጉሁድነት ዘስርሑ ኣገባባት የብሎምን።  ብዉሑዱ’ኳ ድኣ፡ ህዝቢ ዝፈልጦ መስርሕ የብሎምን። እዚ ጸዋዕ-መዓት ኰይኑ ብልሽውና ዘተኣታቱ፡ ኣብ ሰበይ-ሰብካ ዘምርሕ ከምኡ’ውን ኣብ ሻርነት ዜእቱ ኣሰራርሓ’ዩ። ከም’ዚ ዘኣመሰለ ሃዋህው ድማ ነቶም ብሓቅን ብዘተኣማምን ኣገባብ ዝዋፈሩ ሰብ-ወፍሪ’ዩ ዘህድም። ንሕና፡ እዚ ዘሎ ንግዳዊ ስርሓታት ህግደፍ ንፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ ዀነ ቊጠባዊ ህይወት ሃገርና ከም ዘመርቶ ኣይንስሕቶን። ኣካይዳ ህ...ፍ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ‘ሓደ ሰልፊ ከመይ ኢሉ’ዩ ኣብ ስርሓት-ንግዲ ዝኣቱ?’ ንዚብል ሕቶ ብቑዕ መልሲ ክርከቦ ኣዚና ነተሓሳስብ።

8. ቅዋም ኣብ ስራሕ ንኪውዕል

ኤርትራ፡ እቲ ኣዝዩ ዝዓዘዘ ቅዋም ኢልና እንጽውዖ ሰነድ ኣሎዋ። እዚ ቅዋም’ዚ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መጨረስታ ሽቶኡ ንኸብጽሖ ዝዓለመ ዀይኑ፡ እቲ ቃልሲ ዝጠልቦም ረቛሒታት፡ ማለት ርእሰ-ወሳንነት፡ ዲሞክራሲ፡ ሕግን ፍትሕን ዘማልእ’ዩ።  ብተወሳኺ ድማ፡ ቅዋምና፡ ብተኻፋልነት ህዝቢ ተዳልዩ ብፊርማ ወከልቱ ዝጸደቐ ሰንድ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ናይ ህዝቢ ሰነድ ስለ ዝዀነ ድማ ዋላ ሓደ’ኳ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክገብሮን ክተናኽፎን መሰል የብሉን። ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝሃብካዮ ቃለ-መጠይቕካ፡ ‘ቅዋምና ትማሊ’ዩ ኣብ ጥቕሚ ከነውዕሎ ዝነበረና’። ንሕና’ውን ነቲ ‘እዋኑ ትማሊ’ዩ ነይሩ’ ዝበልካዮ ንሰማማዓሉ ኢና ካብ ንሓዋሩ ህልም ኢሉ ዝተርፍ ኸኣ፡ ዋላ ንዘንግዕ’ምበር፡ ሕጂ ኣብ ጥቕሚ እንተ ኣውዒልናዮ ዝሓይሽ ኣማራጺ ይመስልና።

ክቡር ፕርሲደንት፡ ቅዋምና ብዘይ ገለ ምስምስ ኣብ ግብሪ ኪውዕል ይግባእ።  ብኽታም ወከልቲ ህዝቢ ዝጸደቐ ቅዋም ኣብ ግብሪ ከም ዝውዓለ ስለ ዝሕሰብ፡ ህዝብና ቅዋማዊ መሰሉ ብፍስሃ ክጥቀመሉ ጊዜኡ ሕጂ’ዩ ነይሩ። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ትካላት ሃገርና ብቅሉዕ ዝጥቀማሉ ኣሰራርሓ ጨሪሱ ስዲ፡ ከምኡ’ውን መንፈስ ቅዋምና ዘይዓሰሎ ከም ዝዀነ ንዕዘቦ ኣሎና። ብሓቂ ዘስደምመና ነገር እንተ’ሎ ኸኣ ብቐጻሊ እንርእዮ ዘሎና ልምዲ ስራሓት-ሃገርና ጨሪሱ ኣንጻር ጠለባት-ቅዋምና ምዃኑ’ዩ። ስለዚ፡ ንሕና ብዕቱብ እንላበወካ ነገር እንተ’ሎ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን፡ ኣድላዪ ስጒምቲ ብምሳድ ቅዋምና ብመላኡ ኣብ ግብሪ ንኸተውዕሎ’ዩ።

ከም ጽቡቕ ኣብነት፡ መርኣያ-ሓልዮት፡ ከምኡ’ውን ኣማት-ዕዙዝ-ዕላማ፡ ነዚ ንንግስነተ-ሕጊ ከቛናጽብ፡ ንህዝብና ከጒሂ ዝርከብ ዘሎ ‘ፍሉይ ቤት-ፍርዲ’ ንኽትውግደልና ኸኣ ንሓተካ። ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብዘይ ወግዓዊ ክስን ብዘይ ገለ ፍርድን ንብዙሕ ዓመታት ይጐሳሉ ኣሎዉ። ኣብ’ቲ ‘ፍሉይ ቤት-ፍርዲ’ ንክቐርቡ’ውን እንተዀነ ጌና ዕድል ኣይረኸቡን። እዚ ኣንጻር መልእኽትን መንፈስን ቅዋምና’ዩ ንመባእታዊ ጠለባት ፍትሒ’ውን ዚነጽግ’ዩ።  እሱራት፡ እንተ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ ክፍትሑ ወይ ከኣ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ነማሕጽነካ።

ክውሓጥ ዘይከኣል፡ ንንግስነተ-ሕጊ ጻረር፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ሲቪል ሰራሕተኛታት ዝውሰድ፡ ምልካዊ ዝባህርዩ ናይ ‘ምድስካል’ ስጉምቲ’ውን ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን።  ንሕና ዝመስለና፡ ምድስካል፡ ፍርሂ ንኸንግስ ዝዓለመ፡ ዘይምእሙእን ዘይቅኑዕን ኣገባብ ኰይኑ ተመሊሱ ንዓና ዝወቕዕ ቅዲ ስራሕ’ዩ። ዕላማኡ ነቲ ኣደዳ-ምድስካል ኰይኑ ዚርከብ ሰብ ንምእራምን ንምሕብሓብን እንተድኣ ዀይኑ፡ ከም ንርእዮ ዘሎና ውጽኢት ኣይተረኽቦን ንመንግስትና ዀነ ሃገርና የርብሕ’ዩ ብዝብል ኣምር ዝተቀየደ ኣሳራርሓ እንተድኣ ዀይኑ ድማ ረብሓ ኣየርአናሉን። ሓፈሻዊ ውጽኢት ናይ’ዚ ኣገባብ ስራሕ’ዚ ተስፋ ዘይመልስ፡ ዕግርግር ዝፈጥር፡ ዓቕሚ ሰብ ዘባኽን ኰይኑ ንረኽቦ።

መደምደምታ

ክቡር ፕረሲደንት፡

ኤርትራ ኣብ ቀራና መገዲ ትርከብ ኣላ። ሓደ ክፋል መሬትና ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣትዩ’ሎ ብቀሊል ዘይግመት ቊጽሪ ህዝብና ድማ ካብ ቦትኡ ተላቒቁ ይርከብ። ደጊምሲ ኵላህና ግዱሳት፡ ማለት ካብ መሪሕነት  ጀሚርና፡ ሕልናና ብግቡእ ንኽንጒርጒር ጊዜኡ ኣኺሉ’ዩ። እስከ ህዝብና ብመላኡ ምስ መሪሕነትና ብግሉጽ ኣገባብ ኣብ ሓደ ዘተ ይእተዉ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብደሙን ብረሃጹን ብንብዓቱን ዝኸፈለሉ ዕዳ ስለ ዝዀነ ድማ ከም’ዚ ዝኣመሰለ መሰል ክንፈጎ ኣይግባእን።  እወ፡ ንሕና ብንጽህና ከነማሕጽነካ እንደልዮ ነገር ኣሎ እዚ ኸኣ፡ ብኽንደይ ጻዕሪ ዘምጻእካዮ ናይ ቀደም ዝናኻ ንኽትመልስ እንተ ድኣ ትደሊ ዀንካ፡ ነዚ ናይ ሕጂ ቅልውላው አዐሪኻ ብምስትብሃል ናብ ሓደ ምቹእ ኵነታት ከም ዘቕንዕ ምግባሩ’ዩ። ቅድም ንዓኻ፡ ድሓር ከኣ ምእንቲ’ዚ ኣብ ጽቡቕን ክፉእን ዝብጀው ህዝብና ኢልካ እዚ ኵነታት አዐርዮ።

ምእንቲ ክብሪ ግዝኣተ-መሬትና ንኽንመልስ፡ ሃገራዊ ልኡላውነትና ድማ ንከይድፈር፡ ንሕና ብወገንና ጻዕርታት ከነካይድ ኢና ማዕረ-ማዕሪኡ ኸኣ፡ ኣብ ሃገርና ሓደ ግሉጽ፡ ጸዋር፡ ብጊዜኡ መግለጺ ዚህብ፡ ከምኡ’ውን ሕጊ ዘንግስ ባህሊ ንኸነተኣታቱ ህርድግ ክንብል ኢና።  ነዞም ዝጠቐስናዮም ነገራት ንክንቋመት፡ ከምኡ’ውን ንስኻ ንእትህበና መልሲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ መጻኢ ጊዜ ግፍሕ ዝበለ ኣኼባ ክንጽውዕ መደብ ከም ዘሎና ክንሕብረካ ንፈቱ። ዕላማና፡ ኣብ መንጎ ትካላት መንግስትን ህዝብን ቀጻሊ ዘተ ብምክያድ ንመጻኢ ጊዜ ጥዕና ዘሎዎ ምዕባሌ ንምፍጣር’ዩ።

ብኣኽብሮት፡

 

1.          ኣርኣያ ደበሳይ

2.          ኣሰፋው ተኸስተ

3.          በረኸት ሃብተስላሴ

4.          ዳዊት መስፍን

5.          ሃይለ ደባስ

6.          ካሳሁን ቸኮለ

7.          ኻልድ በሽር

8.          ልኡላ ገብረየሱስ

9.          ሚርያም ዑመር

10.        መሓመድ ኸይር ዑመር

11.        ሙሴ ምስግና

12.        ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ

13.        ርእሶም ሃይለ

 

ተርጓሚ ዳዊት መስፍን