ዘበነ-ምስሕሓብን ኣያታት-ስደትን

ዘበነ-ምስሕሓብን ኣያታት-ስደትን

ዳዊት መስፍን

8 መስከረም 2017

 

ጠንቂ-ስደት ሃሳዪ ምዃኑ ሰፊሕ ሓተታ ኣየድልዮን። ይዅን’ምበር፡ ክውንነት-ስደት ከመይ’ሉ ኣብ ሕብረተ-ሰብና ከም ዝሰረጸን ሕጂ ኸኣ ናብ ንቡር ከም ዝተለወጠን ክንሓስበሉን ክንመሃረሉን ይግባእ።  ንምዃኑ፡ ዕላማ ናይ’ዚ መልእኽቲ’ዚ ሕልና ንምፍታሽን ኣብ ሓሳባትና ጦብላሕ ዝብሉ ሕቶታት ንምስማዕን ’ምበር መልስታት ንምድህስስ ኣይኰነን።

ብሓፈሽኡ ኣዘራርባ፡ ስደት ማሕዮ ማለት’ዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ዉሽጢ ስድራ-ቤት ዛሕሊ ዘእቱ፡ ንህይወት ማሕበረሰብ ዝፈታትን፡ ንገጽ-ሃገር ዘፋሕሹ ... ብሓጺሩ፡ ንኵነታት ሰባት ኮታ ብሕማቕ ዝጸሉ ክውንነት’ዩ። ብዛዕባ ስደት ምስ እንሓስብ ብዛዕባ ቅውሞታት-ስደት (components of …) ንክንሓስብ ንድረኽ - እዚ ማለት ከም’እኒ ጠንቁን ድሕረ-ባይትኡን ጥራሕ ዘይኰኑስ ዉሽጣውን ግዳማውን ረቛሒታቱ’ውን ሓዊስና ከነስተብህለሉ ንዕደም። 

ስደት ምስ ዝተሓላለኹ ገጻቱን ባህርያቱን  ንኣማኢት ዓመታት ምሳና ሰለይ እናበለ ክጐዓዝ ዝጸንሐ ተርእዮ ስለ ዝዀነ ደቂ-ሰባት ንክስደዱ ብኵነታቶም ተደፊኦም’ምበር መሪጾም ዝኣትዉዎ ኪደት ኣይኰነን እናበልና ንነዊሕ እዋን መጒትና ኢና፣ ሓቅነቱ’ውን ጌና ኣይሃሰሰን።   ምኽንያቱ፡ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡  ምንጭታት ስደት ድኽነት፡ ብረታዊ ቃልሲ፡ ማሕበረ-ሰባዊ ምፍሕፋሕ፡ ፖለቲካዊ ህውከት፡ ቍጠባዊ ቅልውላው ከምኡ’ውን ካልኦት ደቐይቕ ጠንቅታት  ምዃኖም ኣርጊጽና ስለ እንፈልጥ።  እዚኦም ሕዳር-ምንጭታት’ዮም (chronic causes) -  ሕጂ ግን ነዞም ሓቅታት’ዚኦም ካልኦት ባህርያት ክውሰኹዎም ንዕዘብ ኣሎና።  ኰይኑ ድማ መልክዕ-ስደት ይልወጥ ኣሎ ክንብል ንደፍር። 

ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ንምድጋም፡ ቀደም ኵሉ ምስ ተወድኦ፡ ናብራ ምስ ሓርበቶ’ዩ ሰብ ቅያር-ሕሰም ንከናዲ ሃሰው ዝብል ዝነበረ፣ ወይ ከኣ ሃጽ ኢሉ ክጠፍእ ዝመርጽ ዝነበረ። ሕጂ ግን ኣብ ‘ዘበነ-ምስሕሓብ’ ስለ ዝተሰጋገርና፡  ሰባት፡ ኣውራ’ኳ መንእሰያት፡ ብኣጋኡ፡ ካብ ዘይምቕሳን ግዲ ዀኑ፡ ብዛዕባ ተኽእሎታት ስደት ኣብ ምስልሳል ይርከቡ።  እዝስ ተቓዳዲምና ቅድመ-እዋናዊ ስደት’ዩ (premature) ኢልና ምልክት ከይንገብረሉ ነቶም ናይ ስደት-ፎርሙላ ዘቝሙ ተቐያየርቲ ኣሃዱታት (variables) ሙሉእ-ብምሉኣቶም ከነለልዮም ስለ እንሽገር’ዩ።

ዘበነ-ምስሕሓብ እንታይ ማለት’ዩ?  እቶም ዘቤታውያን ደፋፋእቲ ባእታት ኣብ ቦትኦም ሃልዮም፡ ግዳማዊ ሓይለ-ስሕበት ምስ ዝድንፍዕ መትርባት-ስደት ይገፍሑ’ሞ ንስርሒት-ስደት የህጥርዎን የቀላጥፍዎን። ውጽኢቱ ኸኣ እዚ እንርእዮ’ዩ - ማለት እዚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ኣብ ኣህጕራዊ ናይ ዜና-ማዕከናት ዝቃላሕ ዘሎ ዛዕባ ሰብኣ-ኣስልኾ ወይ’ከኣ ንግዲ’ዩ (human smuggling/trafficking)።  ብሓቂ ዕሽሽ ኢልካ ክሕለፍ ዘሎዎ ጕዳይ ኣይኰነን፣ ብኣስተንትኖ’ውን መልሲ ዝርከቦ ኣይኰነን።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ተርእዮ’ዚ ፍልይ ዝበሉ ሕቶታት የለዓዕል። ርክብ ናይ’ቲ ኣቀዲሙ ዶብ ሰጊሩ ዝተሰደደ ሰብ ምስ’ቲ ጌና ዶብ ዘይሰገረ ከመይ ይመስል?  ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ዝምድና ሰብ-ግዳምን ዉሽጥን ከመይ’ዩ መልክዑ? ኣብ ግዳም ዘሎ ኣብ ዉሽጠ-ዉሽጠኣዊ መስርሕ ስደት ኢድ ኣሎዎ’ዶ የብሉን?

ቅብጸት ንስደት ንቡር ከም ዝገበሮ ኣብ ክትዕ ዝኣቱ ዛዕባ’ኳ ኣይዅን፡ ንቡርነቱ ግን ንስደት ኣግኒኑዎ፣ ዉጽኢቱ ድማ እንሆ ስደተኛታት ክራባሑ ንርኢ።  መንነት ስደተኛ ከመይ ይመስል? እንታይ’ዩ መስደዲኡ? መትንታት ስደት ከመይ ይመስሉ? ... ወዘተ፡  ኣገደስቲ ሸነኻት ስርሒት ስደት’ኳ ይዅኑ፡ መን’ዩ ኣበጋሲ? መን’ዩ ጠላቢ? መን’ዩ ኣሳላጢ? መንከ’ዩ ናባዪ (sponsor)?  ... እናበልና ነቶም ሕቶታት ክንመጦም ንኽእል።  ሽዑ ድማ’ዩ ሕልናና ምስኡ ዝምጠጥ። ኵሎም ረቛሒታት-ስደት፡ ማለት ደፋእትን ሰሓብትን፡  ነናቶም ኣምራትን ትንታኔታትን ከም ዘሎዎም ተገንዚብና ነዞም ዘልዓልናዮም ሕቶታት መልስታት ክንረኽበሎም ምኸኣልና’ዶ?

ምኽዕባት ስደተኛታት ንፍጮታት ሕብረተሰባት ከርብሖም ስለ ዝኸኣለ፡ እወ፡ ምዝመዛ-ስደት ገላዕላዕ ይብል ኣሎ ክንብል ንኽእል።  እቶም ኣብ’ዚ ሰላሕታዊ ዝምታ ተዋፊሮም ዘሎዉ ሰባት፡ ከም ኣሞራ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ንኽስደዱ ዝህንደዱ ዘሎዉ ዀነ ወይ ከኣ ድሮ ኣብ መትርባት ስደት ዝኣተዉን ይዝንብዩ’ሎዉ ክንብል ኣይንሽገርን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ስደት እኩያትን ስሱዓትን ኣያታት ረኺቡ’ሎ ማለት’ዩ። 

ኣብ ግዳም ዘሎና ዜጋታት፡ ደገፍቲ መንግስቲ ንዅን ተቓወምቲ ብዘየገድስ፡ ዘሎና ጸጋታት ከስኪስና፡ ዝተዓደና ተዓዲና፡ ሰብና ንከነድሕን ኢልና ንጻወቶ ዘሎና ሳዕቤናዊ ተራ ኣቕሊልና ክንርእዮ ኣይግባእን። ዋላ’ኳ ጠንቂ ስደት ኣይንዅን: ኣብ መስርሕ ስደት አእዳውና ኣእቲና ምህላውና ግን ክንክሕዶ ዘይንኽእል ሓቂ’ዩ።  እዚ መልሲ ዘይተረኽቦ ሽግር’ዩ፣  ብቐሊሉ ዘይፍታሕ፡ ኣብ መዋጥር ዘእቱ’ኳ ድኣ። እወ፡ኵነታት ዝፈጠሮ መቓቕሮ’ዩ። ንሕጂ እዚ ኣብ ሕልናና’ምበር ኣብ ልዕሌና ዝተሰንዘረ ክሲ ኣይኰነን።  ጽባሕ ግን ሃገርና ዝጽበያ ዘሎ ታኼላ ከመይ’ሉ’ዩ ዝስገር እናበልና ክንሓስብ ይግብኣና።  እዚ ኣስተንትኖ’ዚ ኣብ መናድቕ-ልባትና ተጻሒፉ ዘሎ መጠንቀቕታ’ዩ፣ ፍታሑ ኸኣ ንነፍሲ-ወከፍ ሰብ ይግደፍ።